Monday, January 6, 2014

ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት መንገድን መጓዝያን ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ስራሕ መካየዲ ተባሂሉ ዝተስለዐ ገንዘብ ሕዝዎ ከም ተሰወረ ተሓቢሩ፣




ካብ ፈለጥቲ ሚስጥር ቤት ፅሕፈት መንገድን መጓዓዝያን ሊሑኹ ዝበፃሓና ሓበሬታ ዘረድኦ ኣይተ ኣብርሃ ብርሃነ ዝተብሃለ ሓላፊ ናይቲ ትካል ንስራሕ መካየዲ ተባሂሉ ዝተሰልዐ 2.3 ሚልዮን ብር ሒዞዎ ከም ዝጠፍአ  ድሕሪ ምግላፅ፤  ክሳብ ሕዚ  ነቲ ገበነኛ ንምሓዝ  ዝተገበረ ፃዕሪ ከም ዘየለን፤  እቲ ምኽንያት ድማ ኩሎም ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝርከቡ ሓለፍቲ ኣብቲ ምጥፍፋእ ኢድ  ስለ ዘለዎም እንተተረኺቡ ክልክሞም ከም ዝኽእል ስለ ዝፈለጡ ምዃኖም ተገሊፁ፣
   እቶም መሻርኽቲ ኣብርሃ ብርሃነ  ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ንስድራ ቤቱ ስልኪ ብምድዋል ክርከብ ከምዘይብሉን ኣርሒቑ ክሃድም ምኽርታት ይልግስሎም ከም ዘለዉ  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ካብ ብመጀመርይኡ ናብቲ ምዉራር ገንዘብ ህዝቢ ክኣትዉ ዝኸኣለ ‘ዉን ላዕለዎት ሓለፍቱ ሚልዮናት ገንዘብ እናዘረፉ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም የውዕልዎ ምህላዎም ድሕሪ ምዕዛቡ ምዃኑ ገለ ንሓሳብ መሳርሕቱ መሰረት ብምግባር ወሲኹ ኣፍሊጡ፣
   ብካልእ ወገን ወ/ሮ  ሜላት  ዝተብሃለት  ነፍሰ-ፁር ኣደ ክትሓርስ ኣብ ከተማ መቐለ ናብ ዝርከብ ዓይደር ሆስፒታል ብ16 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም  ኣብ ዝኣተወትሉ ብሰንኪ ሸለልትነት ናይቶም ሓካይም ሂወታ ከም ዝሓለፈን ስድራ ናይ’ዛ ግዳይ ኣብ ርእሲ ሓዘኖም ብሸለልትነት ናይቶም ሓካይም ኣዚዮም እኳ እንተተቖጥዑ ንዝሓትዎ ሓርቢትዎም ከም ዘሎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣