ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ቀበሌ 16 ንኮንደሚንየ ገዝውቲ መስርሒ ተባሂሉ ተመሪፁ ተሓፂሩ ዝፅነሐ ቦታ ኣይተ መንግስቱ
ገብረመድህን ዝተብሃለ ሓላፊ ስራሕ ኮንደሚንየም ንሰብ ሃፍቲ እናሸጠ መሕበጢ ዉልቃዊ ጅብኡ ይገብሮ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣይተ መንግስቱ ገብረመድህን ዝተውሃቦ ህዝባዊ ሓላፍነት
ንጎኒ ገዲፉ ኣብ ዉልቃዊ ጥቕሙ ብምቕዳም ብ24 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም
ንስለስተ ሚኢቲ ካሬ-ሜትር ስፍሓት ዘለዎ መሬት ንሓደ
ውልቀ ሃፍታም ብ140 ሽሕ ዝሸጠሉ ኮይኑ፤ ነቲ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ዝተዓዘበ ነባራይ ህዝቢ ተቓውምኡ የስምዕ ከም ዘሎ
ድሕሪ ምግላፅ፤ ካብ’ቶም ተቓዉምኦም ዘስምዑ ንምጥቃስ፤ ኣይተ ዶምሴ ፋንታሁን፤ ኣይተ ኣያለ ኣረጋው፤ ቀሺ ኢሰያስ ኣያሌውን
ካልኦትን ከም ዝርከብዎም ኣረዲኡ፣