Pages

Wednesday, January 8, 2014

ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ተሓቚፎም ክሰርሑ ዝፈተኑ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተመረቑ መንእሰይ ብሰንኪ ምምሕዳር ኣብ ፀገም ወዲቖም ከም ዘለውገሊፆም፣፣




ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ከተማ ራማ ኣድራሽኦም ዝኾኑ መናእሰይ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ትምህርቲ ኣትዮም ብድግሪን ዲፒሎማን ድሕሪ ምምራቖም ምስ ትምህርቶም ዝመጣጠን ቀዋሚ ስራሕ ኣብ መንግስቲ ይኹን ዉልቃዊ ትካል ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፤ ህይወት መነባብርኦም ንምምራሕ ከም መማረፂ ደቀቕትን ኣናእሸተይን ትካላት ኣብ ዝበሃል ናይቲ ስርዓት ተሓቚፎም ብማሕበር ተወዲቦም ንምስራሕ ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ካብ ዘረባን መብፅዓን ዝሰግር ተግባራዊ ድጋፍ ካብ ምምሕዳር ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ናብ ዘይተደለየ ክሳራ ከም ተቓልዑ ተገሊፁ፣
ምምሕዳር ወረዳን እታ ከተማን ብጉልበትኩም ክትሰርሑ ደኣ ተበገሱ እምበር ንእተካይድዎ ስራሕ ዝሕግዝ እኹል መሰርሒ መሬት ኣብ ዝመረፅኩሞ ቦታ ክንበኩም ኢሉ መብፅዓ ምስ ኣተወሎም፤ ብማሕበር ተወዲቦም 10 ሽሕ ቅርሺ ካብ መንግስቲ ተለቂሖም ፀባ ዝህባ ከፍቲ ዓዲጎም ምንቅስቓስ እኳ እንተጀመሩ ዉፅኢት ክረኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ኣረዲኦም፣
ብመሰረት ዝተኣተወሎም ቃል መሬት ንኽዋሃቦም ናብ ቤት ፅሕፈት ተመላሊሶም ኣብ ዝሓተትሉ፤ ንሓንቲ መዓልቲ እዉን ትኹን ቁሊሕ ዝብሎም ኣካል ስኢኖም እተን ዝዓደግወን ከብቲ እኹል ምግቢ ስኢነን ዓቢረን ይሞታ ከም ዘለዋ ኣቦ ወንበር እታ ማሕበር ሃፍቶም ታደሰ፤ ምክትሉ ሰላም ክብሮምን ፀሓፊ ኣድሓኖም ገብረማርያን ብምምሕዳር ተታሊልና ኣደዳ ዕዳ ኮይና ብምባል መረረቶም የስምዑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣