Pages

Wednesday, January 8, 2014

ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ንመሰረት ልምዓት ብዝብል ሽፋን ገንዘብ ከዋፅኡ ብኣማሓደር እታ ከተማ ይግደዱ ምህላዎም ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ንህዝቢ እታ ከተማ  ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ገንዘብ ብሽም ልምዓት ንኽኸፍል  የገድድዎ ምህላዎም  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤   ካብ’ቶም  ንህይወቶም ብምስጋእ ንብረቶም ሸይጦም ዝኸፈሉ ዘለዉ ዜጋታት ኣይተ መንግስቱ ይርጋእለም 20ሽሕ፤ ኣይተ  በርሀ ገብረመድህን 10 ሽሕ፤ ኣይተ ኣወጣሀኝ 18 ሽሕ ብርን፤ ካልኦት ዘይተጠቕሱን ከም ዝርከብዎም ኣፍሊጡ፣
 እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቲ ዝዋፃእ ዘሎ ገንዘብ  ብሽም መሰረተ ልምዓት ተባሂሉ ዝእከብ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ኣበሃህላ ንመዐሽዊ ህዝብን ንፖለታካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝዝረብ እንተዘይኮይኑ፤ እቲ ሓቂ ግን ንወልቃዊ ረብሓታት ሰበ ስልጣን ህወሓት-ኢህወድግ ምዃኑ ነበርቲ ብምረት ኣብ ምዝራብ ይርከቡ፣
  ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ነቲ ብምምሕዳር ዝተወሰነ ክፍሊት ገንዘብ 700 ብር ንሓደ ስድራ ዕለታዊ ድራሩ ገዲፉ‘ውን ክኸፍሎ ዘይኽእል ብምዃኑ ስድራ-ቤታት ንዝኸፈአ ጭንቅን ወጥርን ተቓልዐን ከም ዝርከባ እቲ ኣመልኪቱ፣