Pages

Sunday, November 25, 2012

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሓደስቲ ናይ ስለያ ዑስባት መሊሚሉ ህዝቢ ንምቁፅፃር ይንቃሳቐስ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣



ኣብ ከባቢ ሑመራን ዓዲ-ጎሹን ካልኦት ከባቢታትን ዝረአ ዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞ ብሓይሊ ብረት ንምጭፍላቕ ምእንታን።  ክጥዕሞ ሓደስቲ ኣባላት ስለያ  ብምምልማል ኣብ ዉሽጢ እቲ ሕብረተ-ሰብ ብምዉፋር ንህልዉና እቲ ስርዓት ክብሉ።  ህዝቢ የባሳብሱ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ። ነቶም ሓደስቲ ምልምል  ኣብ ሑመራን ዓዲ ገሹን ዘዋፈሩ ዘለዉ። ካልኣዩን በሪሁን ዝተብሃሉ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘይብሎም ንከብዶም ጥራሕ ዝሓደሩ ዕሱባት ካድረታት እቲ ስርዓት ምዃኖም ተፈሊጡ፣
 ኣብ መወዳእታ እቶም ብጥቕሚ ዝተደለሉ ዕሉላት ፀረ ህዝቢ ካድረታትን ኣባላት ድህንነትን  ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ዝምደቡ ጀሚሮም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ዝፍፅሙ ዘለዉ ብምኳኖምን ህዝቢ እቲ ከባቢ። ብትኹረት ይከታተሎም ከም ዘሎ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ  የመልክት፣