ኣብ ዞባ
ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ንዓመታት ብንግዲ ስራሕቲ ክመሓድሩ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ነጋዶ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንክኸፍልዎ
ዝተወሰነ ግብሪ መንግስቲ ኣብ መፅናዕቲ ዘይተደረኸ ግምታዊ ዉሳነ ብምዃኑ። ብኩሎም ነጋዶ ተቐባልነት ስኢኑ ገለ ምምሕያሽ ክግበረሉ
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተሓቲቱ እኳ እንተነበረ፣
ምምሕዳር
እቲ ወረዳ ብ8 ሕዳር 2005 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝኾነ ይኹን ነጋዳይ በቲ ዝተወሰነሉ ግብሪ ክኸፍል እንተዘይክኢሉ ትካሉ ተዓሺጉ ንግዲ ፍቓዱ ክሕደግ ምዃኑ ብዘመሓላለፎ ዘይሓላፍነታዊ መጠንቀቕታ።
ኣብዚ ሰሙን ተግባራዊ ስጉምቲ ምዉሳድ ጀሚሩ ከም ዘሎ ካብቲ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብመሰረት
እቲ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ ዓቕምና ግብሪ ክንከፍል ዓቕሚ የብልናን ብምባሎም ናይ
ንግዲ ትካሎም ካብ ዝተኣሸጎም ነጋዶ ከተማ ሸራሮ።-
1. ኣስማረ ኣረጋይ
ወናኒ ትካል ንግዲ ። መሸጢ ናይ ህንፃ መሳርሒ
2. ብወዲ ሴሮ
ዝፍለጥ ወናኒ ትካል ናይ ህንፃ መሳርሒ መሸጥን መከፋፈልን
3. ጎይትኦም
ማርቆስ ወናኒ ትካል መቀያየሪ ኣቑሑ መካይን
4. ሓዱሽ ነጋሽ
ወናኒ ሰላም ሆቴል
5. ኣታኽልቲ
ወናኒ እንዳ መስተን ምግብን ወጋሕታ ካልኦትን ዝርከብዎም እንትኾኑ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ትካላቶም ምስ ንብረቱ ተዓሽጉ ካብ ዝኾነ
ስራሕቲ ንግዲ ጠጠዉ ኢሎም ከም ዝርከቡ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ፣
ኣብ ዝሓልፈ ቅንያት
ብዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ጥላሁን በርሀ ዝተመረሐ ኣብ ኣተኣኻኽባ
ግብሪ ዝተመለከተ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ምግላፅና ይዝከር ኮይኑ። ብዘይካ’ዚ ትማሊ ዕለት 16 ሕዳር 2005 ዓ/ም ካብ
ወዲ 18 ዓመት ንላዕሊ ብግድን ክእከብ ከምዘለዎ ብዝወርደ መምርሒ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ካብ ገዝኡ እናተገፈፈ ተኣኪቡ ከም ዝዋዓለ ተሓቢሩ፣ዝኸበርኩም ሰማዕትና
ናይቲ ኣኼባ ኣጃንዳ ኣብ ዝቕፅል ሕዝናልኩም ክንቀርብ ምዃና ንሕብር፣