ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ ፌዴረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምክትል ሓላፊ ዝነበሩ ኣቶ ተካ ኣሰፋ ዝተብሃሉ ዜጋ። ኣብ ዉሽጢ እቲ ኮሚሽን
ብሰፊሑ ዝስራሕሉ ዘሎ ግበረለይ ክገብረልካን ካልኦት ስዉርን ቅሉዕን ናይ ግዕዝይና ተግባራት ተስፋሕፊሑ ቀንዲ መፈፀሚ ስራሕ
ኮይኑ እናረኣዩ ካብ ክሰርሑ ሓልፍነት ምልቓቅ ይሓይሽ ዝብል ምርጫ ወሲዶም ከም ዝገደፍዎ ተፈሊጡ፣
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ብላዕ
ምሃብን ምቕባልን ከምኡ እዉን ብስጋን መዉስቦን ተኣሳርካ ሓላፍነትካ ተጠቕምካ ዘይግባኣካ ሃፍቲ ምኽዕባት ዝብል ተግባር
ተስፋሕፊሑ። ዜጋታት መሰሎም ተጠቕሞም ዝግብኦም ጥቕሚ ንኸይረኽቡ ዝገብር፤ ህዝብን ሃገርን ናብ ድኽነት ዘእቱ ዘሎ ግዕዙይ
ምሕደራ ስርዓት ወያነ ብምቅዋም። ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ስምዒት ዘለዎም ወገናት ነቲ ስርዓት ራሕርሖም ይወፁን ናብ ሰደት
የምርሑን ከም ዘለዉ ይግለፅ፣