Friday, February 22, 2013

ኣብ ዞባ ዳውሮ ዝነብሩ ዜጋታት ብፖለቲካዊ ኣረኣእይኦም ጥራሕ ብኣምባገነን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝእሰሩ ቁፅሪ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ፣



ምንጭታት ከም ዝበልዎ። ምእሳር ብዓል ኣቶ ዱባል ገበየሁ ሲዒቡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህራንን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ብተኸታታሊ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ። ካብ ዩኒቨርሲቲ አርባ ምንጭ አቶ አባተ ኡካ፤ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ድማ አቶ አብረሃም ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ተታሒዞም ካብ ዝተኣሰሩ ወገናት ገሊኦም ምዃኖም ተፈሊጡ፣
   ኣብ’ቲ ከባቢ ዝረአ ውጥረት ንመንግስቲ ብጣዕሚ ኣተሓሳሲብዎ ከም ዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ። ናይቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ በቲ ስርዓት ዝተኣሰሩ ዜጋታት ቤተሰቦም እናተኣረዩ ኣብ ምእሳር ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ምስ ግንቦት 7 ብዝተታሓሓዘ ብአሸባሪነት ክሲ ከም ዝቐርበሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
 ኣብ ዞባ ዳውሮ ዝነብር ዝነብረ መምህር የኔሰዉ ገብሬ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ይበፅሖ ብዝነበረ ኢ-ዴሞክራስ ፀቕጥታት ኣስካሕክሕዎ። ፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ኣይነብርን ብምባል ባዕሉ ነብሱ ብሓዊ ኣቃፂሉ ህይወቱ ከም ዝሕለፈ ይዝከር፣