Pages

Friday, February 22, 2013

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ደቂ ኣንስትዮ ይዕመፃ ከም ዘለዋ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣



ብመሰረት‘ቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ናይ ምስማዕ ይኹን ናይ ምርኣይ ፀገም ዝነበራ ጓል ኣንስተይቲ። ቤተሰባ ክሳብ ዝረኽብዋ ብሓደራ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ንኽትሓድር ጉዱሳት ዜጋታት ምስ ወሰድዋ። ኣብ’ቲ ቤት ፅሕፈት ዝነበረ ተረኛ ዋርድያ ፖሊስ  ዘገዬ ደርሶ ሽፈራው  ዝተበሃለ ከም ዝዓመፃ ተገሊፁ፣
 እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝበሎ። እዛ ቤተሰባ ክሳብ ዝረኸብዋ  ብሓደራ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክተሕደር ዝተገብረት። በቶም ፖሊስ ናይ ዓመፅ ሓደጋ ምስ ዘጋጠማ። እቲ ዝዓመፃ ፖሊስ ናይ ክሕደት ቃል’ኳ ኣቕሪቡ እንተነበረ ኣብ ሆስፒታል ምስ ከደት ግን ሓቅነቱ ከም ዝተረጋገፀ ተፍሊጡ፣
   ኣባላት ፖሊስ ወያነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝበፅሕ ዘይፍትሓዊ ዝኾነ  ዓመፃት ክከታተሉን ጠበቓ ሕጊ ብምዃን ደሕንነት ህዝቢ ክሕልውስ ይትረፍ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ኢትዮጵያ  ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ  ባዕሎም ኣብ ምጥሓስ ሕግታት ከም ዝተዋፈሩ ብተደጋጋሚ ክግለፅ ምፅንሑ ይዝከር፣