Pages

Sunday, February 24, 2013

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ካምባታ ኣላባ ጠምባሮ ወረዳ ቃቄ ቢራ ሸኪቾ ዝነብሩ ሓረስቶት። ብሰንኪ ምኽባር ማደበርያ ሕርሻኦም ብግቡእ ከሳልጡ ከም ዘይከኣሉ ተሓቢሩ፣




  ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ቃቂ ቢራ ሸኪቾ ዝርከቡ ሓረስቶት ከም ዕፉን፤ መሽላ፤ ዱንሽን ካልኦት ኣዝርእትን ዝዝርእሉ ወቕቲ ሕዚ እኳ እንተኾነ። ንፍርቂ ኩንታል መዳበርያ ብኣስታት ሐደ ሽሕ ብር ንምግዛእ ስለ ዘይከኣሉ። ኣብ ከይዲ ስራሕቲ ሕርሽኦም ዓብዪ ማሕንቖ ኮይንዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣

     ብተወሳኺ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ከባቢ ዝራእቲ ዝበሎዑ ሓሳኹ ብበዝሒ ተራእዮም ከም ዘለውን ነቶም ዝተዘርኡ ዝራእቲ ብዕስለ ኮይኖም ብምብላዕ የጥፍእዎ ኣብ ዘለዉሉ። መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ዝኾነ ይኹን ናይ ምክልኻልን ምጥፋእን ወፍሪ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ። ምምሕዳር ወረዳ ቃቄ ቢራ ሸክቶን ናይቲ ከባቢ ወኪል ግብርናን ተሓቲቶም ብቑዕ ምላሽ ክህብዎም ከም ዘይከኣሉን። ንቐፃሊ እንተኾነ’ዉን መጥፍኢ ይኹን መከላኸሊ ዝራእቲ ባልዕ የብልናን ከም ዝበሎም። እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣