እዚ ብ12ን 13ን ጥሪ 2005ዓ/ም ካብ ዞባ
ኣዊ ዝመፁ ሰበ-ስልጣን ንሰራሕተኛታት እተን ወረዳታት ኣኪቦም ንግድብ ኣባይ ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብ ዝሓተትሉ ግዜ። ብሰንኪ ናይ
መነባብሮ ፀገም ካብ ግድብ ኣባይ ንላዕሊ መሬት ዘቢጡ ዝርከብ ናብራና ንኽነመሓይሽ መንግስቲ ድጎማ ንዓና ክህበና ይግባእ’ምበር
ንሕና ንመንግስቲ ገንዘብ ክንከፍል ፍቓደኛታት ኣይኮናን ክብሉ። ኣብ ቅድሚ እቶም ሰበስልጣን መረረቶም ከም ዝገለፁ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ የካ ክፍለ ከተማ ሾላ ገበያ እናተበሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ። ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ዝተለዓለ
ባርዕ ሓዊ። ሰለሰተ ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ንብረቶም ከም ዝተሃሞኹ ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣብቲ እዋን ዝምልከቶም መጥፋኣቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ እዋኖም ከም
ዘይተረኸቡን። ካበይ ናበይ ምዃኑ ዘይተፈለጠ ምልውዋጥ
ተኹሲ ድማ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣