Sunday, February 24, 2013

ኣብዚ እዋን ክብሪ መነባብሮ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ፍታሕ ዝተሳእኖ መዘራርቢ ርእሲ ኮይኑ ከም ዘሎ። ካብ ዝተፈላልዩ ከባቢታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



መራሕቲ ወያነ  ፀገም ናብራ ህዝቢ እናተመሓየሸ ከም ዝኾነ መዓልታዊ ናይ ሓሶት መደረ እኳ እንተተዛረቡ። ብተግባር ግና ሕብረተሰብ ሃገርና ብሰንኪ ሕፅረት ሽርፊ ወፃኢ ዋጋታት ሃለክቲ ምግብታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውስኽ  ከም ዘሎ ኮይኑ። ብፍላይ ካብ ደገ ዝኣትዉ ሸቐጣት ብተዓፃፃፊ ሰለ ዝወሰኹ መረረት ህዝቢ ሰማይ ዓሪጉ ከም ዝርከብ ተገሊፁ፣
 ብፍላይ ከዓ እቲ ንዕዳጋ መረጋግዒ ተባሂሉ ካብ ደገ ዝኣትዉ  ከም ስርናይን  ካልኦት ጠለባትን መራሕቲ ወያነ ቅድሚያ  ንወልቀ ሰብ ሃፍቲ ትካላትን  መንግስታዊ ኢንዱስትርታትን ይዕድልዎ ብምህላዎም ናህሪ ዋጋ ዕዳጋታት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በፂሑ ድኻ ሕብረትሰብ መፍትሒ ሲኢኑ ፀገም መነባብሮ ልዕሊ ዓቕሙ  ኮይንዎ ዓቕሉ ፀንቒቑ ክፃወሮ ኣብ ዘይኽእል ደረጃ ምብፅሑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣
  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝኾነ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ባንክ ክረክብ ዝደሊ ሰብ ግድነት ብሒሳብ ሓንቲ ዶላር ንምሽራፍ ሓደ ብርን 70 ሳንቲም ንሓለፍቲ እቲ ባንክ ጉቦ ክኸፍል ይግደድ ከም ዘሎ። ታሕተዎት ሰራሕተኛታት ባንክ ከም ዘቃልዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣