ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ። ካብ’ቶም
ብካድረታት ወያነ ጣብያ ዓዲ ኣውዓላ ካብ ዝበሳበሱ ዘለዉ ወገናት። ሃለቃ ሳሚኤል ዝተባህለ ዜጋ ኣብ ድንኳኑ ዝተረኸበ 30
ኩንታል ሰሊጥ ኣብ ርእሲ ምዉራሱ 150 ሽሕ ብር ተቐፂዑ ን7ተ ዓመት ድማ ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ ነዚ ዘስተባሃለ ነባሪ ህዝቢ ጣብያ ዓዲ ኣውዓላ ነቲ ብካድረታትን
ኣማሓደርትን ስርዓት ወያነ ዝወርዶ ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ብምቅዋም። ሓያል ናዕቢ የካይድ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ
ኣረዲኡ፣
እዚ ከምዚ
ኣሉ እንከሎ ኣብ ወረዳ ከተማ ሸራሮን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦን ተመዲቦም ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ ፖላዊስ ንስርዓት ወያነ። ብዛዕባ
መረፃን ኣበያ ህዝብን፦ ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ኣብ
ከባቢና እናተበራኸተ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ንሕና ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ
ከይንርከብ ዝገብረና ዘሎ እንታይ እዩ? ዝብልን ካልኦት እጀንዳታትን ብምልዓል ይዘራረቡ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣