Friday, May 17, 2013

ኣካል ጎደሎ ኵናት ተጋደልቲ ህወሓት በታ ዘላቶም ዓቕሚ ሰሪሖም መነባብርኦም ክመርሕሉ ካብ ዝፀንሕሉ ናይ ስራሕ ቦታ ተባሪሮም፣ ብኻልኦት ሰባት ክትካእ ይግበር ከም ዘሎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝነብሩ ጉዱኣት ኲናት ኣካል ተጋደልቲ ነበር፣ ኣብ መነሃርያን ካልኦት ናይ ስራሕ ቦታታትን እናሰርሑ ክናበሩ ዝፀንሑ ሰብ ስድራ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣማሓደርቲ እቲ ስርዓት ካብቲ ዝሰርሕሉ ቦታ ብምብራር ናህታቶም ተለኣኣኽቲ፤ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ብምእታዉ ይትክእዎም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
ካብቶም ዝተባራሩ ጉዱኣት ኲናት ተጋደልቲ ወገናት ገለ ኣስማቶም ንምጥቃስ።-
1.      ኣይተ ኪሮስ ገብረሂወት
2.      ተጋዳላይ ነበር ክፍሎም ገብረማርያም
3.      መርዙ ንጉሰ ንነዊሕ ግዜ ኣባሎም ዝነበረ
4.       መሓመድ ሲዒድ
5.      ይርጋ ኣለም የማነ
6.        መኮነን ዝበሃል ሓደ እግሩ ዝተቖረጸ ዝርከብዎም ኮይኖም። እቶም ኣብ መነሃርያን ካልኦት ናይ ስራሕ ቦታታትን ንነዊሕ እዋን እናሰርሑ ስድረኦም ክኣልዩ ዝፀንሑ ኮይኖም፣ ሎሚ ካብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ተባሪሮም ስድረኦምን ነብሶምን ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቖም ከም ዝርከቡ ካብ ከተማ ሸራሮ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ ከተማ ሸራሮ እንከይ ወፃእና፤ ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ፅሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ብርክት ዝበለ ነባሪ ህዝቢ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ተቓሊዑ እናተሳቐየ ከም ዘሎን ሕክምና ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ዝመላለስ ቁፅሪ ሰብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
  መላእ ሕብረትሰብ ስለ ምንታይ ሓደ ፍታሕ ዘይግበረልና ብምባል ብምረት ነቶም ኣማሓደርቲ ይነቅፍ ከም ዘሎን፤ እቲ ቅድም ክብል ንማይ ተባሂሉ ዝወፀ ባጀት ኣበይ ኣትዩ? ባዕልኹም በሊዕኹሞን ኣጥፋፍእኹሞን እምበር፤ እኹል እዩ ነይሩ ብምባል ኣምሪሩ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣፣