Friday, May 17, 2013

ህዝቢ ከተማ ስለኽለኻን ከባቢኣን ዘለዎ ፀገም ዝስተ ፁሩይ ማይ ክፍታሕሉ ብዘይምኽኣሉ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።



ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ መደባይ ዛና ከተማ ሰለኽለኻን ከባቢኣን ዝርከብ ሕብረትሰብ ንዓመታት ክሓተሉ ዝፀነሐ ፀገም ፁሩይ ዝስተ ማይ ብዝምልከቶም ኣካላት ቆላሕታ ረኺቡ ኣወንታዊ ምላሽ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ብምቑጣዕ ፀገማቱ ንምስማዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ ከም ዝዉዓለ ካብቲ ቦታ ዝረኸበናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
ነባሪ ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይድሉ መዓልቲ ካብ ዘልዕሎ ዝነበረ ሕቶታት፣ ብሰበ-ስልጣን እታ ከተማ ንማይ መስርሒ  በጀት ተመዲቡ ዝበሃል ዝነበረ  ባጀት ኣበይ ኣሎ? ኣበይ ዉዒሉ? ዝበልዕዎ ሰባት እንተሃልዮም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘይሕተቱ? ብስእነት ፀገም ማይ ዝሳቐ ዘሎ ነባራይ ቆላሕታ ስለ ዘይግበረሉ ዘሎ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ተገዲዲና ኣለና ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ዘካተተ ብድምፆም የቃልሑ ከም ዝወዓሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
ካብ ከተማ ሰለኽለኻ እንተይ ወፃእና ብ16 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም ካብ ከተማ ሰለኽለኻ ናብ ሽረ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣዉቶብስ ብሰንኪ ጉድለት ፅሬት ፅርግያ ተገሊብጣ ኣብኣ ተሳፊሮም ካብ ዝነበሩ 9ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበፅሖምን ኣብ ሆስፒታል ምድረ ገነት ይሕከሙ ከምዘለው ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።