Pages

Monday, January 27, 2014

ሰበ ስልጣን ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ሽራሮ ተማሃሮ 10ይ ክፍሊ ናብ ምክልኻል ክኣትዉ ፀቕጥታት የካይዱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽራሮ ዝርከቡ ተማሃሮ 10 ክፍሊ ብኣመሓደርቲ እቲ ስርዓት ካብቲ ዘለኹሞ ደረጃ ትምህርቲ ንምዉሳኽ ብሕጂ ልዑል ነጥቢ ክተምፅኡ ኣለኩም። ነጥቢ ረኹብኩም ኣብ ዩንቨርሲቲ ኣቲኹም ንምምሃር ብዙሕ ዓመታት ይተርፈኩም ከም ዘሎ ፈሊጥኩም። ብኣዉርኡ ከዓ እዙይ ኩሉ ግዜኹምን ሃፍትኹምን ኣባኺንኩም ተማሂርኩም ምስተመረቑም፤ ካብዚ ሕዚ ተፈጥርልኩም ዘሎ ዕድል ስራሕ ዝሓሽ ስራሕ ክትረኽቡ ከም ዘይትኽእሉ፥ ካብቶም ኣብ ቅድሜኹም ዘለዉ ስራሕ ዝሰኣኑ ክትማሃሩ ኣለኩም እናበሉ ብምድንጋር ናብ ምክልኻል ሰራዊት ክኣትዉ ዝከኣሎም ሽርሕታት ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ፣

ኣብቲ ዘካይድዎ ዘለዉ መጠነ ሰፊሕ መታለሊ ጎስጓስ ዝተረኽቡ ወለዲ ተማሃሮ መልሚልና ዘዕበናዮም ደቅና ነየናይ ስርዓት እዮም ህይወቶም ክኽፍሉ መሪቕና ንልእኽ፤ ቅድሚ ሕዚ ብመልሓስኩም ተታሊልና ዝፈፀምናዮ ጌጋ ከይኣክል ሎሚ ካልኣይ ጌጋ ኣብ ልዕሊ ደቅና ክፍፀም ኣይነፍቅደልኩም። በዚ ርእሰ ጉዳይ ኣኼባ እናበልኩም ወገሐ ፀበሐ ተኸኽ ኣይተብሉና። ኣፀቢቕና ነቕሕናልኩም ከም ዘለና ፈልጥኩም ካልእ ኣርእስቲ ሕዝኩም እንተመፃኹም ይሕሸኩም ክብሉ ነቲ ሓሳቦም ከም ዝነፀግዎ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

ብጀካ እዚ ኣብታ ከተማ ከባቢ መናሃርያ ብሕጋዊ መንገዲ መሬት ተዓዲሎም ደረጅኡ ዝሓለወ ገዛ ዝሰርሑ ባዓል ብርሃነ ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ወገናት። ብቤት መዛገጃ እታ ከተማ ገዛኹም ተሰሪሒሉ ዘሎ ቦታ ብመሃንድስ ስለ ዝተወቐዐ ኣፍርስዎ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ምስ ኣፍረሱ። ሕዚ ኣብቲ ቦታ  ኣታኽልቲ ዝተባሃለ ዝርከብዎም ሰራሕተኛ ቤት መዛገጃ ገዛ ሰሪሑ ድንኳን ከፊቱ እናተጠቐምሉ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዚ ከምዚ ዝበለ ነቲ ሓደ ቀቲልካ ነቲ ናይቲ ካልእ ህይወት ምስኳዕ ዝዓይነቱ ኣሰራርሓ መራሕቲ ስርዓት ህወሓት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዓይኑ እናፍጠጠ መፂኡ። ኣብ መላእ ከተማታት ሃገርና ከም መሰርሕ ይጥቀምሉ ብምህላዎም። ህዝቢ ብግዕዙይን ዝቡዕን ኣካይድኦም ብተደጋጋሚ ኣብ ምንቃፍን ምቅዋምን ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣