እቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ዓዲ ዳዕሮ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ኮኾብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ወተሃደራት ስርዓት ኢህወዴግ። ኣብ ምክልኻል ከገልግሉ
ፀኒሖም ልዕሊ ሸዉዓት ዓመት ብምግባሮም ሕጋዊ ናይ ምፍናው ሕቶ ብምልዓል
ንቐፃሊ ኣይንፍርምን ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት እቲ ስርዓት ንካልኦት መመሃሪ ምእንቲ ክኾኑ እናበለ ይኣስሮም ብምህላዉ
እቲ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ ዓቐን መሊኡ ከም ዘሎ ምንጭታትና
ገሊፆም፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ በዝሒ እሱራት ካብ
እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ብምህላዉ እቲ ቤት ማእሰርት ኣዕለቕሊቑ ኣዘዝቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዓቕሎም ሰለ ዝፀበቦም፤ ኣብ
ጥቕኦም ናብ ዝርከብ ዓዲ ኾኸብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ብቆርቆሮ ኣብ ዝተሰርሐ 4ተ መኽዚን ወሲዶም ብምድጓን
የሳቕዮም ከም ዘለው ኣረዲኡ፣
እቶም ብመሰረት ወተሃደራዊ ደንቢ
እቲ ስርዓት ሕጋዊ መሰሎም ብምሕታቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ወተሃደራት ተልዕልዎ ዘለኹም ሕቶ ምፍናው
ገዲፍኩም ንዝቕፅል ሸዉዓተ ዓመት እንተዘይ ፈሪምኩም ክኸድዑ
ሒዝናዮም ኢልና ክትክሰሱን ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪብኩም
ዝኸፈአ ቅፅዓት ክፍረደኩም ክንገብር ምዃና ፍለጡ ብምባል የፈራርሕዎምን የግባዕብዕሎምን ፈትዮም ፀሊኦም መሳርሒ ናሃቶም
ክገብርዎም ይፅዕሩ ከም ዘለዉ ኣገንዚቡ፣