ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ከተማ ደባርቕ ዝነብሩ መንእስያት ብዘይወዓልዎ ኣብ ናይ ሽፍትነት ተግባር ተዋፊርኩም ብዝብል ክሲ ብዘይ ጭቡጥ
መርትዖን ምስክርን ብምስሉይ ቤት ፍርዲ እቲ ስርዓት ንዓመታት ማእሰርቲ ይፍረዶም ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ገለ ካብ’ቶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ሰይሮም ከም ዝጠፍኡ ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ
ኣስዒቡ እቶም ብሓሶት ክሲ ተኸሲሶም ን10 ዓመታት ዝኣክል
ንኽእሰሩ ዝተፈረዱ መናእሰይ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወሰነ ዘይቅኑዕ ወሳነ ብምቅዋም ነቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ገዛ ብ8 ጥሪ 2006 ዓ.ም ለይቲ ሰዓት 7፣00 ሰይሮም ብምዉፃእ ኣምሊጦም ዝጠፍኡ ኣረዲኡ፣
እቶም
ካብ እሱር ኣምሊጦም ዝጠፍኡ መናእሰይ ነጋ ኣስረስ፤ ካሳ
ግርማቸውን ሓዱሽ ታየን ዝተብሃሉ እንትኾኑ፤ ፖሊስን ካድረታትን
ንስድርኦም ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኖም ሰብኡትክንን ደቅኹምን ኣምፅእዎም እናበሉ ይቕጥቅጥዎም ከም ዘለዉ እቲ ዝበፀሐና ኣፍልጡ፣