እቶም ንሽሙ መኽበርቲ ፀጥታ ተባሂሎም ኣብታ ከተማ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ብዕለት
29 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ነጋዶ በዓል ልደት ንምኽባር ትካላቶምን
መንበሪ ገዝኦምን ዓፅዮም ምኻዶም ዝተረድኡ ፖላዊስ ነቲ ትካላት መኻዚኖን መከፋፈሊ ሸቐጣትን መንበሪ ገዛታትን እናሰበሩ ገንዘብን
ንብረትን ምስ ሰብ መካይን ተመሻጢሮም እናፃዓኑ ናብ ስውር ቦታ ወስዶም ንግዝኡ ብምሕባእ ኣብ ውልቃዊ ረብሐኦም ከም ዘወዕልዎ
ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ካብቶም ብሓለዋ ዝተዋፈሩ ፖላዊስ ንብረቶምን ገንዘቦምን ዝተሰረቑ
ሰብ ሃፍቲ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ እምባሁን መሸሻ ትካል ሸቐጣ ሸቐጥ፤ ምኩታር መሓመድ ወናኒ መኽዘን ቡናን ሽኮርን ኮይኑ 9 ኩንታል
ተወሲድዎ፤ መስፍን መኳንንት 20 ኩንታል ሰሚንቶ፤ ረዚቕ መሓመድ 10 ቦንዳ ክዳውንቲ ክልኦት ሽሞም ዘይተጠቕሱን እንትኾኑ
እቶም ኣብቲ እዋን ፀጥታ ሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ፖላዊስ ተገምጊሞም ንግዝኡ ተኣሲሮም ብዘይ ዝኾነ ምፅራይ ከም ተለቐቑ
ኣገንዚብ፣