Wednesday, January 22, 2014

ኣብ ክልል ትግራይ ንመስርሒ ኮንደሚኔማት ተባሂሉ ዝተሰለዐ ባጀት ብሰበ ስልጣን እቲ ትካል ብምብልዑ ከይዲ ህንፀቶም ጠጠዉ ከም ዝበለ ተሓቢሩ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ትግራይ ምክትል ሓላፊ ኣካይዲ ስራሕ ኣባይቲ ዝኾኑ ኣይተ ሳህለ ገብረሰላሰ ንመህነፂ ኮንደምኔም ተባሂሉ ዝተሰለዐ ባጀት ስለ ዝተወደአ ተጀሚሮም ዘይተዛዘሙ ኣባይቲ ባዕሉ ዛዚሙ ንዝጥቀመሎም ሰብ ክንሸጦም ኢና ክብል ኣብዚ ቅንያት ምዝራቡ ተኸቲሉ ህዝቢ መህነፂ ዝተመደበ ገንዘብ ብሰበ ስልጣን ስለ ዝተበለዐ እምበር ኣብ ፈለማ እኹል ባጀት ከም ዝተሰለዐ ብሚድያታትን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ተዘሪቡ እዩ ብምባል ተቓዉምኡ ኣብ ምስማዕ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ኣብ ተቓዉምኡ ካብ ዘቕርቦም ዘሎ ሓሳባት መንግስቲ ዝጀምሮ ህንፀት ፕሮጀክት ኮንደምኔም ሰኣን ዓቕሚ ሕፀረት ኣባይቲ ንዘጋጥሞም ወገናት ንምቅላል ከም ዝኾነ ክገልፅ ፀኒሑ ሕዚ ስለ ምንታይ ገንዘብ ሓፂሩና ብዝብል ምኽኒት ብሽም ህዝቢ ኣብ ዝተመረፀ ቦታ ክስርሑ ዝፀንሑ ገዛዉቲ ባዕሉ መሊኡ ንዝጥቀም ሰብ ክንሸጦም ዝበሃል ዘሎ? ነዞም ገዛዉቲ መስርሒ ተባሂሉ ዝተበጀተ ገንዘብ ብልክዕ ኣበይ ዉዒሉ ብዘይ ሻራዊ  ኣካል ክፃረ ብምግባር ዉፅኢቱ ንህዝቢ ክንገር ኣተሓሳሲቦም፣
ኣስዒቦም እዞም ኣብ ከይዲ ህንፀት ፀኒሖም ምስ ቀረቡ ጠጠዉ ኢሎም ዘለዉ ኮንደምኔም ኣካየድቲ ስራሕ እቲ ትካል ብሕፅረት ባጀት ኣመኻንዮም ገንዘብ ንዘለዎም ፈተዉቶምን ቤተሰቦምን ክሸጥሎምን ካብኣቶም ዘይግብኦም ከስቢ ንኽረኽቡ ዝገበርዎ ስለ ዝኾነ ምሻጥ እንተኾይኑ’ዉን ብግልፂ ህዝቢ ብዝኣመነሉን ኣሳታፊ ብዝኾነን ኣገባብ ክኸዉን ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም፣