መንግስቲ
ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣኑ ፅፉፍን ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወን ቀዋሚን ስርዓተ ትምህርቲ ብዘይምኽታሉ፣ ተማሃራይ
ዋሕዚ ዘለዎን ተኣሳሲሩ ዝኸይድን ፍልጠት ተሓሪምዎ ዘድሊ ትምህርቲ ኣብ ዘድሊ ደረጃ ይረክብ ብዘይምህላዉ ዓቕምን ፍልጠትን
እንከይ ጨበጠ ትምህርቱ ዛዚሙ ተባሂሉ ኣብ ኮሎጃት ኣትዩ ክዋፀኦ ብዘይምኽኣሉ ንኻልእ ዘየድሊ ወፃኢታትን ክፍሊትን ክቃልዑ
ግድን ኮይኑ ከም ዘሎ ኣብ መቐለ ፖሊተክኒክን ሞያን መሰልጠኒ ዝርከቡ ተማሃሮ ገሊፆም፣
ኣብ’ዚ
ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝፈሪ ዘሎ ተማሃራይ ንሽሙ ድኣ ተማሃራይ ይበሃል እምበር ኣዚዩ ድሕሩን ምስ ዘመን ዘይኸይድ ትምህርቲ
ይወሃቦ ብምህላዉ፣ ተማሃራይ እቲ ብክልስ ሓሳብ ይኹን ብተግባር ዝመሃሮ ምስ ዘመን ዘፍረዮ ቴክኖሎጂ ዘተኣሳስሮ ብዘይምዃኑ
ዓርሰ ምትእምማን ዝፈጥር ፍልጠት ተሓሪምዎ ኣብ ምዕባለ ዓዱ እጃሙ ንኸየብርክትን ንቕድሚት ንኸይ ስጉምን ማሕንቖ ኮይንዎ ከም
ዘሎ ወሲኾም ኣረዲኦም፣
ክኢላታት
እቲ ዓዉዲ ብግዲኦም ብፍልጠት ዝተሃነፀ መንእሰይ ብምፍራይ ብዘይምቁራፅ ኣብ ቅድሚት እተሰልፈሉ ስርዓተ ትምህርቲ እንከይ እንተይተዘርገሐ ሃገርና ኢትዮጵያ
ካብ’ቲ ዘላቶ ዓዘቕቲ ድኽነት ዘላቕቕ ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ክተመዝግብ ከም ዘይትኽል ብተደጋጋሚ ኣብ ምግላፅ ከምዝፀንሑ
ይፍለጥ፣