ኣብ ዞባ
ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ልዕሊ 225 ዝኣኽሉ መምህራ ኣብዚ ዓመት ስርሖም ጠጠዉ ከብሉ ዝተገደዱ እቲ ስርዓት
ብዝኽተሎ ዘሎ ምዕሩይ ዝኾነ ኣሰራርሓ ተማሪሮም ከም ዝኾኑ ዝገለፀ
እቲ ሓበሬታ በቲ ኩነታት ዝሰግኡ ሓለፍቲ ናይቲ ዞባ ጠንቁ ንምፍላጥ ብ5 ጥሪ 2005 ንኹሎም መምህራን ብምፅዋዕ ኣብ ዘካየድዎ
ኣኼባ “ብሰንኪ ሚዛኑ ዝሰሓተ ኣድልዎ ዝተመልኦ ኣሰራርሓን እኹል ደሞወዝ ዘይምህላዉን እተን ዝርካበን ደሞወዞም እንተኾና’ዉን ንኣባይ
ግድብ፤ ንፋውነደሽን መለስ፤ ንማሕበር ልምዓት ትግራይን ንህወሓትን እናተብሃለ ስለ ዝቆራረፃ መነባብርኦም ንምምራሕ ተፀጊሞም
ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ምዃኑ” እቶም መምህራን ብልሳኖም ተዛሪቦም፣
እቶም መምህራን ኣስዒቦም ነቲ ዝቡዕ ምሕደራን ዋሕዲ ደሞወዝን ምብዛሕ
መዋጮን ክብሪ መነባብሮ ተደሚርዎ ህይወቶምን ህይወት ስድርኦምን ክመርሑ ኣዝዮም ከም ዝተፀገሙ ድሕሪ ምግላፅ በዚ ኩነታት
ዓቕሎም ዝፀንቀቑ መምህራን ዝፈትዎ ሞያ ስረሖም ራርሕኦም ብመንገዲ ሱዳን ኣቢሎም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ኣብቲ ኣኼባ ብምረት ገሊፆም፣
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ። ካብቶም ብኣሰራርሓ እቲ ስርዓት
ተማሪሮም ካብ ሓንቲ ጣብያ ቤት ትምህርቲ ጥራሕ ሰርሖም ዝገደፉ ንምጥቓስ ርእሰ መምህር ብርሃነ ኣባይ፤ መምህር ትርሓስ ኣባይ፤
መምህር ኣለባቸው ኣባይ፤ መምህር ፍስሃ ተክለማርያም፤ መምህር ታድዋስ ኣያልነን ዝርከብዎም ልዕሊ 226 መምህራን ካብቲ ወረዳ
ስርሖም ጠጠዉ ከም ዘበሉ ኣገንዚቡ፣