Wednesday, January 22, 2014

ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመለሱ ኢትዮጵያዉያን ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ መነባብሮ ወዲቖም ከም ዝርከቡ ኣረዲኦም፣




ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ብስራሕ ስእነት ክሳቐዩ ፀኒሖም ዝሐሸ ህይወት ንምርካብ ናብ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ብዝተፈላለየ ግዜን ቦታን ክስደዱ ዝፀንሑ መናእሰይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ምስ መንግስቲ ኢህወዴግ ብዝገብሮ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ከባቢ ርብዒ ሚልዮን ዝኾኑ ኢትዮጵያዉያ ወገናት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ካብ ሃገሩ ምስ ኣባረሮም፤ ኣብ ስልጣን ብዘሎ መንግስቲ ኢህወዴግ ዝኾነ ይኹን ድጋፍ ከም ዘይረኸቡ ንግዳያት መሰረት ገይሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

እቶም ካብ ስደት ተመለስቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያዉያን ወገናት  ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ሃገርና ስልጣን ተቖፃፂሩ ዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመለሰ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝቕመጥሉ ክልል ተኸታትሉ ዘድሊ ድጋፍን መተሓሓዝን ክገብር ከም ዝኾነ ቃል ኣትዩ ከብቅዕ ኣብ ተግባር ግና ኣበይ ወዲቖም ኢሉ ተኸታቲሉ ድጋፍ ዝህብ ኣካል ብዘይ ምህላዉ ካብ’ቲ ኣብ ስደት ዝነበርዎ ዝኸፈአ ስቓይ ህይወት የሕልፉ ከም ዘለዉ ወሲኾም ገሊፆም፣