በመስረት’ቲ ሓበሬታ ስሪሕኻ ብላዕ ብዝብል ሽም ንፀገም መነባብሮ ዘለዎም ነባርቲ ከተማ ሰለኽለኻ
ብጉልበቶም ሰሪሖም ንኽጥቀሙ ብዝብል ዝመፀ 104 ኩንታል ስርናይን 77 ካርቶን ዘይትን ብ7 ጥሪ 2006 ዓ/ም ሰራሕተኛታትን እቲ መኽዚን ምስ ዋርድያ ናይቲ መኽዚን ኣይተ ተኽላይ ወዲ
ሃለቃን ተሻሪኾም ተሰርቑ ብዝብል ኣዉፂኦም ከም ዝወሰድዎ ካብቲ ከባቢ
ዝበፅሓና ሓበሬታ የረድእ፣
እቶም ሰራሕተኛታትን ዋርድያን ብሓባር
ብምዃን ናይቲ መኽዚን መንድቕ ብለይቲ ኣፊሪሶም ለያቡ ወሲዶም ብምባል ከደናግሩ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ፤ እንተኾነ ግና ንመደናገሪ
ኢሎም ዝገብርዎ ድኣ እምበር፤ ባዕሎም ማዕፆ ከፊቶም ከም ዝወሰድዎ ዝፈለጠ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ንምንታይ ዘይተሓዙ ክብል
ጥርዓን ብምቕራቡ ንግዝኡ ክእሰሩ ዋላ’ኳ እንተተገብረ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክፍትሑ ምኽኣሎም ምስቶም ኣመሓደርቲ ተመሻጢሮም ከም
ዝገብርዎ ዘብርህ ኮይኑ ኣሎ ብምባል ነበርቲ ኣብ ምዝራብ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
ኣብ መወዳእታ ነቲ ግዕዙይ ተግባር
ዕሺሽ ኢሎም ክሓልፍዎ ዘይመረፁ ነበርቲ ስለምንታይ ገበነኛታት ስሩዕ ምፅራይ ከይተገብረሎም ተፈቲሖም ክብሉ ናብ ዝምልከቶም
ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ስማዒ እዝኒ ዘይምርካቦም ነቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ዝነብሮም ፅልኣት ኣጋዲድዎ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ፣