Pages

Friday, January 24, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተማሃሩ መናእሰይ ኣብ ኮብልስቶን ንኽሰርሑ መምርሒ ዋላ’ኳ እንተወረደ ኣብ ተግባር ግና ዝምልከቶም ኣካላት የተዓናቕፍዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣




ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩንቨርሲቲ፤ ኮሎጃትን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ተማሂሮም ብስራሕ ስእነት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ሰሪሖም ህይወቶም ንኽመርሑ  ኣብ ምንፃፍ እምኒ ተዋፊሮም ክሰርሑ መመርሒ ወሪዱ ከብቅዕ፥ ላዕለወት ሓለፍቲ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካልት ግና ዝተፈላለዩ ምኽንያት እናፈጠሩ ንኸይሰርሑ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኖሞም ከም ዝርከቡ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ደኣንት ካብ ዝፈጥርዎም ዘለዉ ዕንቅፋታት ኣብ ሞንጎ ስርሖም ብምእታዉ ነቶም ተማሃሮ ብነጥቢ ደረጃን እናበሉ ተሳንዮን ንኸሰርሑ ምፍክፍፋል፤ እቲ ሰሪሖም ዝረኸብዎ ገንዘብ እንተኾነ’ዉን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ፈጢሮም ክቆርፅዎን ክእግድዎን ክደልዩ እንተለዉ ተቐቢሉ ምእንቲ ከተግብረሎም ኣገዲዶም ኣብ ብሄራዊ ባንኪ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ማይክሮ ፋናንስን ከይዓቑሩ ብ28 ታሕሳስ 2006 ዓም ኣኪቦም ከም ዘፈራርሕዎም ኣፍሊጦም፣
        ብሰንኪ እቲ ጉዕዙይ ኣሰራርሓ ናይቲ ስርዓት ኣማሪሮምን ተስፋ ቆሪፆም ነቲ ዝጀምርዎ ስራሕ ዝገድፍዎን ተበታቲኖም ዝጠፍኡን ዘለው ተምሃሮ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፤ ዝተወሰኑ ካብኦም ንምጥቓስ ዝኣክል። ስላም ኣብርሃ ብድግሪ ዝተመረቀት፤ ዓወት ታደሰ ብዲግሪ ዝተመረቐን ካልኦት ብዙሓት ዘይተጠቕሱን ከም ዝርከብዎም ኣብ መወዳእታ ገሊፁ፣