ኣብ ዞባ
ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ስርዓት ኣስጋእቲ እዮም ብዝብል
ብዘይ ጭቡጥ ገበን ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ብዘስካሕክሕ መንገዲ ክምርመሩ ዝፀንሑ ወገናት፤ ክሸኑ ብዝብል ንደገ ምስ ኣዉፅኦም
ክሃድሙ ከም ዝፈተኑ ኣምሲሎም፤ ብ15 ጥሪ 2006 ዓ.ም ይሕልዉዎም ብዝነበሩ ፖላዊስ ብዝተኮስዎ ጥይት ተወቕዖም ምዉታትን
ቁስላትን ከም ዝኾኑ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም ኣብቲ
እዋን ዝተቐተሉን ብከቢድ ዝቖሰሉን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጉድኣት ንምብፃሕ ሓሲቦም ተባሂሉ ንዝቐረበሎም ክሲ ንኽኣምኑ ብፖሊስ ኣብ
ዝተኻየደሎም ሰብኣውነት ዝጎደሎ ናይ ጭካነ ምርመራ ክኣምኑ
ብዘይምኽኣሎምን ካብታ ፈላመይቲ ቃሎም ወፃኢ ካልእ ለዉጢ ከምፅኡ ብዘይምኽኣሎምን። መወዳእትኡ ሽርሕታት ፈጢርካ ክቕተሉ ተወዲኡ
ዝተወሰደ ስጉምቲ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ ህዝቢ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ነቲ እከይ ናይ ፋሽሽቲ ስርዓት ግፍዒ ምስረኣየን ምሰመዐን በቲ ተግባር ተቖጢዑ
ኣብ ልዕሊ እቲ ዞባ በብደረጅኡ ዘለው መጋበሪያ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣማሓደርት፤ ካድረታትን ኣባላት ፖሊስን ዝነበሮ ፅልኢት
ዝያዳ ከምዘለዓዓሎን ፅልኢቱ እናሓየለ ይኸይድ ከምዘሎን መዘራረቢ ዛዕባ ከምዝኾነን ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ
የመልክት፣