Pages

Monday, January 27, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ዝርከቡ መንእስያት ሰሪሖም መነባብርኦም ከይመርሑ ካብ ጣብያኦም ከይወፁ ተኸልኪሎም ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




ኣብ ወረዳ ኣሰገደ ፅምብላ ብፍላይ ከዓ ኣብ ጣብያ ኣሎጌን ዝርከቡ መንእስያት ኣብ ጣብያኦም ሕርሻ መሬት ይኹን ካሊእ ሰሪሖም ነብሶም ስድርኦምን ከማሓድርሉ ዝኽእል ዕድል ስራሕ ሰለ ዘየለ። ነቲ ኣጋጥምዎም ዘሎ ከቢድ ፀገም ንምፍታሕ ናብ ገለ ከባቢታትን ዓበይቲ ከተማታትን ብምኻድ ንኸይሰርሑ ብኣማሓደርቲ እገዳታትን ምፍርራሕን ይወርዶም ምህላው ኣረዲኡ፣

      መናእሰይ እታ ወረዳ ኣብ ጣብይኦም ሰሪሖም ዕለታዊ መነባብሮኦም ንኸይመርሑ። ከም ነበርቲ መሰሎም ተሓልይሎም ሕርሻ መሬትን ካልኦት ዕድል ስራሓት ክረኽቡ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጥርዓን ውፅኢት ክረኽብሉ  ሰለ ዘይከኣሉ። መረበቶም ራሕሪሖም ናብ ከተማታት ምኻድ ከም መማረፂ ኣብ ዝወሰድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ነዚ’ውን ከም ገበን ተቖፂሩ ምኽልካሎም ኣዚዩ ከም ዘሕዘኖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ገሊፁ፣
     ኣብ መወዳእታ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ኣብ ዉሽጢ ሃገሩ  ሰሪሑ ናብ ዝበልዓሉ ከተማ ይኹን ገጠር ዝኽልክል ዝተደገገ ሕጊ እኳ እንተዘይ ሃለወ። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባቢታትን ክልላትን መንእሰይ ተንቃሳቕሱ ከይሰርሕ ተኣጊዱ ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ይገልፅ፣