ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ሽሙ ማይ ዓይኒ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ ዝነብሩ
ዜጋታት። ንነዊሕ ዓመታት ክነብሩሉ ዝፀንሑ መንበሪ ዓባይቲ
ብትእዛዛ ኣማሓደርቲ እቲ ወረዳ ይፈርስ ምህላዉ ምስ ገለፀ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ወገናት ኣብ በረኻ ተደርብዮም ም ንፀሓይን
ቁርን ተቓሊዖም ኣብ ከቢድ ፀገም ምህላዎም ተፈሊጡ፣
እቶም ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብሕጋዊ መንገዲ መሬት ተዋሂብዎም ብዙሕ ጉልበትን ንዋትን ኣፍሲሶም ብምስራሕ ክነብሩሉ ዝፅንሑ ገዛውቶም። ብዘይ ዝኾነ
ካሕሳን ቅድመ ድልወነትን ብሃንደበት ክፈርስ ስለ ዝተገበረ። ብዙሓት ህፃውንትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ወገናት ኣብ ፀገም ከም
ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
ኣብ መወዳእታ እቶም ነበርቲ ነቲ ወሪድዎም ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ
ተግባርን ኣድራዕን ፍታሕ ንምርካብ። ብዝመረፅዎም
15 ተወከልቲ ኣቢሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካልት ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ
ክረኽቡ ከምዘይካሉ ተሓቢሩ ፣፣