ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ካብ ዩንቨርሲቲ ደብረማርቆስ ክልተ ተምሃሮ ብ29 ታሓሳስ 2006ዓ/ም መነንቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብኻራ ተሓሪዶም
ሞይቶም ከም ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ኣስማት ናይ’ቶም መወቲ ድማ ፍሮምሳ ሃይለስላሰ ተወላዲ ብሄረ ኦሮሞ እንትኾን ግርማቸው
መኳንንት ድማ ብሄሩ ኣማራ ከም ዝኾነ ገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ በቲ ዝፍፀም ዘሎ ናይ ቅንፀላ
ስጉምቲ ኣብ ከቢድ ስግኣት ብምውዳቖም ትምህርቶም ብጉቡእ ክከታተሉ ተፀጊሞም ዝርከቡ ኮይኖም ስድራ ቤቶም እንተኾኑ’ውን ኣብ
ሻቕሎት ምውዳቖም ኣረዲኡ፣
ብተመሳስሊ ኣብ ከተማ ጎንደር ከባቢ ማክሶኞት ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ሓደ
ዕጡቕ ወተሃደር የሺ ተሻገር ንዝተብሃለት በዓልቲ ዋና ሆቴል ብሓይሊ ክዕምፃ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ክረድኡ ንዝመፁ ኣይተ ታየ
መንግስቱን ዋርድያ ናይቲ ሆቴል ንዝኾነ ዳኛቸው ኣለባቸወን ነታ
በዓልቲ ሆቴልን ሰለስቲኦም ብቡንባ ፍንጂሩ ቀቲሉዎም ከም ዝተሰወረ ተሓቢሩ፣
ብሰንኩ ብቤተ
ሰብ ናይቶም ሞወትን ጎረባብትን ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዕግርግር ዝተወለዐ ኮይኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ንፁሃት ወገናት ተፈፂሙ
ዘሎ ግፍዓዊ ቅትለት ገበነኛ ከይተታሕዘ ምምላጡን ዉፅኢት ድኹም ፀጥታዊ ምምሓዳር እቲ ስርዓት ምዃኑ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ
ኣፍሊጡ፣