ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ
ጣብያ ዝባን ገደና ንዝርከብ ጥዕና ጣብያ ተባሂሉ
ዝለኣኽ መድሓኒት። እቶም ሓለፍቲ ናይቲ ጥዕና ጣብያ ኣብ ከተማ ሸራሮ ናብ ዝርከብ ናይ ወልቀ
ፋርማሲ እናወሰዱ ይሸጥዎ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከም ውፅኢቱ ድማ
ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓሚሞም መድሓኒት ስለ
ዘይረኽቡ ግዳይ ስቓይን ሞትን ይኾኑ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። እቶም ሓለፍቲ ነቲ ጥዕና ጣብያ ተባሂሉ ዝለኣኽ መድሓኒት ኣብ ከተማ
ሸራሮ ንዝርከብ ኣሚኒኤል ዝተብሃለ ወናኒ ወለቀ ፋርማሲ ከምኡ’ዉን ኣብ ዝባን ገደና ንዝርከብ ኣይተ ሽሻይ ተኽሉ ንዝተብሃለ
ወናኒ ፋርማሲ ብቐዋሚ ተመሻጢሮም ከም ዝሸጥሎም ኣረዲኡ፣
ብሰንኪ እቲ ጉዕዙይ ምሕደራ ዝነደሩ ነበርቲ። “እዚ ጥዕና ጣብያ ኣብ
ኣገልግሎት ህዝቢ ዝውዕል ዘይኮነስ መሀፍተሚ ወልቀ ሰባት ኮይኑ ብምህልዉ። ሓሚምና ዘይንሕከመሉን መድሓኒት
ዘይንረኽበሉን ህንፃ ኣብ ቅድሜና ጠጠዉ ምባሉ ትርጉም ሰለ ዘይብሉ እንተተዓፀወ ይሓይሽ” ክብሉ። ብ20 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም
ኣብ ዝተገበረሎም ኣኼባ ብምረት ከም ዝተዛረቡ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ወሲኾም ገሊፆም።