Pages

Tuesday, November 11, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ወልቃይት ንዝስራሕ ዘሎ ሽኮር ፋብሪካ መስርሒ ተባሂሉ ዝለኣኽ ዘሎ ሲሚንቶን ቴንዲኖን ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ይጠፋፋእ ከም ዘሎ ተገሊፁ።




    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ወልቃይት ንዝስራሕ ዘሎ ሽኮር ፋብሪካ መህነፂ ክውዕል ተባሂሉ ዝተልኣኸ ሲሚንቶን ተንዲኖን። እቶም ኣማሓደርቲ ናይቲ ፕሮጀክት ናብ ከተማ ሽረ ብምውሳድ እናሸጡ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም የውዕልዎ ምህላዎም  ድሕሪ ምግላፅ።  ከም መቐፀልታ ግዕዙይ ተግባሮም ብ19 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ኮድ ሰለስት  ታርጋ 14023  ኣዲስ ኣበባ ከምኡ‘ዉን ኮድ ሰለሰተ ታርጋ ብ05233 ኣዲስ ኣበባ ዝፍለጣ መካይን ሰሚንቶን  ተንዲኖን  ተፃዒነን ኣብቲ ከባቢ ምስ በፀሓ ብለይቲ ናብ ከተማ ሽረ ተመሊሰን ኣብ ዉልቀ ሰባት ከራግፍኦ ከም ዝተገበረ ንምፋልጥ ተኻኢሉ፣

     ነቲ ብክልተ መካይን ዝተፅዓነ ሲሚንቶን ተንዲኖን ዝዓደገ ዉልቀ ነጋዳይ ኣይተ ረዘነ ዝተብሃለ ነባራይ ከተማ ሽረ እንትኾን። ንሱ ምስቶም ሓለፍቲ ብምስጢር ዋጋ ብምዉዳእ ኣብ መኽዘኑ ከራግፎ ዝተዓዘቡ ነበርቲ እታ ከተማ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረርቶም የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ፣