Pages

Wednesday, November 26, 2014

ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዞባ ወለጋ ከተማ ጭሮ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ባዕሉ ብዘሳወሮ ግጭት ህይወት ሰባት ከም ዝጠፍአ ተገሊፁ።



ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፣ ኣብ  ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ከተማ ጭሮ ካድረታት ኢህወዴግ ብኣባላቶም ኣቢሎም ውሽጣ ውሽጢ ብዘላብዕዎ ከፋፋልን ዓሌታውን ወረ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ሓያል ግጭት ተላዒሉ ብሰንኩ ድማ ክልተ ተማሃሮ ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
  ሰበስልጣን ገዛኢ ኢህወዴግ ነዚ እከይ ተግባር ከሳዉሩ ዘገደዶም ቀንዲ ምኽንያት  ነቲ ግርጭት ተቓወምቲ ከም ዘሳወርዎ ኣምሲሎም ንምቕራብ እቶም ተማሃሮ ምስ ወለዶም ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ጌጋ ርድኢት ንክሕዙ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።