Pages

Wednesday, November 26, 2014

ኣብ ከተማ ዓድዋ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ናይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣኼባ ኣብ ምሕደራ ዘሎ ፀገማት ኣመልኪቶም ሕቶታት ዘልዓሉ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ኣብቲ ንተኻታታሊ መዓልታት ብካድረታት ህወሓት-ማሌሊት እናተመርሐ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ እቶም ተኣከብቲ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ዘልዓልዎ ሓሳባት ሰናይ ምሕደራ ዝብሃል  የለን፤ ፍትሒ ጠቕሊሉ ጠፊኡ፤ ህወሓት ኢህወደግ ይኽተሎ ብዘሎ ብልሹዉ ምሕደራ ህዝብና ኣብ ቅልዉላዉ ወዲቑ ይርከብ ዝብሉን ካልኦትን ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ።

ካብቶም ኣብ’ቲ ኣኼባ ሓያል ናይ ተቓዉሞ ሓሳቦም ዘቕረቡ ገለ ሰባት ንምጥቃስ ኣብ ዓድዋ ናይ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ምክትል ሓላፊ ኣቶ ካሕሳይ ደስታ፤ ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ፀሓፊ ይግዛዉ በየነን ካልኦትን ዝርከብዎም ኮይኖም ህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ናይ መነባብሮ ደረጃ እናሃለወ ሰበ ስልጣን እዚ ስርዓት ግን ብክራይ ኣካብነት ሃፍቲሞም ክብሉ ሓሳቦም ስለ ዝገለፁ ሹዑ ንሹዑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወስዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።