Pages

Friday, November 14, 2014

ህዝቢ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ብሕፅረት ሓይሊ መብራህቲ ዕለታዊ መነባብርኡ ንምምራሕ ተፀጊሙ ምህላዉ ይግለፅ ኣሎ፣




ህዝቢ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ኣጋጢምዎ ብዘሎ ተኻታታሊ ሕፅረት ሓይሊ መብራህቲ ህዝብና መነባብርኡ ንምምራሕ ኣዝዩ ተፀጊሙ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ፀገም እዚ ድማ ኣብያተ ምግቢ፤ እንዳ  ሻሂን ካልኦት ትካላትን ከፊቶም ክሰርሑ ዝፀንሑ ዜጋታት ትካሎም ክዓፅዉ ይግደዱ ምህላዎም ኣረዲኡ፣

በቲ ሕፅረት መብራህቲ ኣዝየን ተጎዲኤን ዘለዋ ከባብታት ድማ ዕሸላት ከተማታት ዕዳጋ ሰሉስ፤ ዳዕሮ ሓፋሽን ካልኣትን እንትኾና ህዝቢ በቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ፀገም ተማሪሩ ናብ’ቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣምሓደርቲ ጥርዓኑ ዋላ’ኳ እንተቕረበ ፍታሕ ዝህቦ ኣካል ከም ዘይረኸበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ህዝቢ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ብስእነት ዝስተ ፁሩይ ማይ  ፅሬቱ ካብ ዘይተሓለወ ማይ ብምጥቃሙ ንማይ ወለድ ሕማማት ተቓሊዑ ኣደዳ ሕማምን ስቅያትን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኣቑፅሩ ከምዘሎ ይፍለጥ፣