Pages

Friday, November 14, 2014

ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ዝኾኑ መናእሰይ ካብን ናብን ተቀሳቕሶም መነባብርኦም ከይመርሑ ከቢድ ሓለዋን ክትትልን የካይደሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣




ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ናይ ዝነብሩ ብሄረሰብ ኢሮብ ተወለድቲ ዝኾኑ ዜጋታት ሰሪሖም ማሕበራዊ ህይወቶም ንምምራሕ ካብ ወረድኦም ወፂኦም ኣብ ዝቀሳቐስሉ ግዜ በቲ ስርዓት ይእሰሩ ዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ ንምጥቃስ፦
·                  ፍሱሕ ሓጎስ ነባሪ ጣብያ ኣራዕ ካብ ዓዲ ግራት፤
·                  በርሀ ታዕሪፋ ነባሪ ጣብያ ወራዓትለን ዮዉሃንስ ኣለማ ነባሪ ጣብያ ዓሊተናን ካብ ሑመራ፤
·                  ምስግና ዘገየ ነባሪ ጣብያ ዓሊተና ካብ ክልል ኣምሓራ፤  
·                  ወዲ ጎሚየ ነባሪ ጣብያ ሓራዛ ሰብዓታን ዝርከብዎም ብእሱር ከካብ ዝነበረዎ ከባቢታት ተኣሲሮም ናብ ወረዳ ኢሮብ ከምዝኣተወ እቲ ሓበሬታ ገሊፁ፣
  
     ካብታ ወረዳ እንተይ ወፃእና ኣብ ከተማ ደዉሃን ካብ 18 ክሳብ 24 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ካብ ኣመሓደርቲ ጣብያን ወረዳን ንላዕሊ ዝተረኸብሉ ኣኼባ መማያየጢ ተባሂሉ ዝቐረበ ሓሳብ ድጋፍ ከም ዘይረኸበ ተገሊፁ፣

ከም ሓበሬታ ምንጭታትና መማያየጢ ተባሂሎም ካብ ዝቐረቡ ሓሳባት፦  ሕገ መንግስቲ ከመይ ይትግበር ኣሎ?፤ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ህዝቢ ከመይ ኣሎ?፤ ንዴምህት ብኸመይ ካብ ህዝቢ ንነፅሎ?፤ ኣብ ምርጫ ምሉእ ብምሉእ ክንምረፅ ንኽእልዶ?፤ ወዘተ ዝብል ኮይኑ። ካብቶም ተኣከብቲ ሓጋዚ ሓሳብ ብዘይምቕራቡ ነቲ ኣኼባ ክመርሑ ካብ ክልል ዝመፁ ካድረታት ዝደለይዎ ከይረኸቡ ከም ዝተመለሱ ተፈሊጡ፣