Friday, November 14, 2014

ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናይ ምፍርራሕን ምንእኣስን ተግባር ይፍፅም ምህላዉ ካብ’ቲ ከባቢ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




  ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ በራሕለ ቀበሌ ባዳ ዝነብሩ ወገናትና ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ብዝርከብ ናይ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት 5 ሬጅመንት ዝኾነ ሰራዊት ኢህወዴግ  ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፅኢቱ ድማ እዞም ነበርቲ ኣብ’ዚ  ከባቢና ዝርከብ ሰራዊት ይውፅአልና ብምባል ብ26 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ሓያል ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።

   ብተወሳኺ ነበርቲ ባዳ ኣብቲ ዘካየድዎ ተቓውሞ ካብ ዘስምዕዎም ዝነበሩ ጭሮሖታት ገለ ንምጥቃስ “ባህልናን ወግዕናን ዘበላሽዉ ዘለዉ ወተሃደራት  ካብ ከባቢና ይውፁኡልና፤ እዞም ወተሃደራት ከም ወገኖም ኣይሪኡናን፤ ኣብ ልዕሌና  ናይ ፅልኣት መንፈስ  ኣለዎም፣” ዝብሉን ካልኦትን ምዃኖም ዝገለፀ  እቲ ሓበሬታ፤ ብወገን ኣማሓደርቲ እቲ ክልል ግን ብጀካ ክነማዓራርዮ ኢና ዝብል ናይ መተዓሻሻዊ ቃል ከተግብርዎ ኣይተራዩን ክብሉ ነበርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ይገልፁ ምህላዎም ምንጭታትና ኣረዲኦም።