ኣብቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ብ28
ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ ዝኽተሎ ዘሎ
ኢ-ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ንምቅዋም ብዘይ ናይ ሃይማኖትኣፈላላይ
ኩሉ ክለዓል ኣለዎ ዝብል ወረቓቕቲ ኣብ ኣደባባይን ህንፃታትን ተለጢፉ ከም ዝተረኸበ ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ካብ ሕዚ ንድሓር ብማሕበረሰብ ሙስሊም ዝለዓል ተቓውሞ የለን ተዳኺሞም
እዮም ዝብል ሓሳብ እኳ እንተነበሮም፤ እዚ ሕዚ ተበቲኑ ዘሎ ወረቓቕቲ ግን ዓብዪ ስንባደ ከም ዝፈጠረሎም ድሕሪ ምግላፅ፤ በዚ ዝተበገሰ ጭንቀት ድማ እታ ከተማ ብበዝሒ ፌደራል ፖሊስን ወተሃደራትን
ብምውፋር ህዝቢ ስራሕቱ ንከየሳልጥ ዓብዪ ፀቕጢ ፈጢረምሉ ከም ዘለው የመልክት፣