Wednesday, December 3, 2014

ኣብ ከተማታት ማንኩሳን ፍኖተ ሰላምን “ናብ ከተማና ኣሸበርቲ ኣትዮም ኣለው” ብዝብል ኣካላት ፀጥታ እቲ ስርዓት ልዕሊ 68 ሰባት ከም ዝኣሰሩ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።



   እቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማታት ማንኩሳን ፍኖተ ሰላምን ብ18 ሕዳር 2007 ዓ/ም ናብ ከተማና ኣሸበርቲ ኣትዮም ኣለው ብዝብል ምኽኒት፤ ኣካላት ፀጥታ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዋላ ሓንቲ ገበን ንዘይፈፀሙ ንፁሃት ሰባት ኣብ ከተማ ማንኩሳ ልዕሊ 50 ነጋዶ፤ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ድማ ንልዕሊ 18 ነበርቲ  ከም ዝኣሰሩዎም ተፈሊጡ።

       ነቶም ብንግዲ ዝመሓደሩ ንፁሃት ወገናት ንክልተ መዓልቲ ዝኣክል ኣሲሮም እናቐጥቀጡ ከም ዘሳቐዩዎምን ድሕሪ ዝተገበረሎም ከቢድ ምርመራ ድማ ካብኣቶም ዝተወሰኑ ከም ዝተፈትሑን ነዚ ፍፃሜ እዚ ስዒቡ ድማ ካብ 200 ንላዕሊ በዝሒ ዘለዎም አባላት ፌደራል ፖሊስ ብ6 ፓትሮል መካይን እናተሓገዙ ሰላም ናይተን ከተማታት ዘሪጎምዎ ከም ዝነበሩ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።