Wednesday, December 3, 2014

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብሽም ብሄር ብሄረ ሰባት ዝበዓል ካድረታት እቲ ስርዓት ፀጥታ ናይ’ቲ ከባቢ ንምሕላዉ ብዝብል ሰባት ንምእሳር ይጥቀምሉ ምህላዎም ተሓቢሩ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ወረዳታት መዓልቲ ብሄር ብሄር ሰባት በብከባቢኡ ከም ዝበዓል  ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ እቲ በዓል እንትኽበር ካብ ህዝቢ ይኹን ካብ ተቓወምቲ ወድባት ክወርዶም ንዝኽእል መጥቃዕቲ ብምስጋእ ኣባላት ድህንነትን ፖላዊስን ብምዉፋር ንፁሃት ሰባት ኣብ ምእሳርን ምክልባትን ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።

    በዚ መሰረት ድማ ኣብ ወረዳ ባምባስ 5 ናይ ትግራይ መንነት ወረቐት ዝሓዙ መንእሰያት ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ኣሸበርቲ ብምባል ካብ ደቂሶሙሉ ዝነበሩ ሆሮ መዕረፊ ኣጋይሽ እናቐጥቀጡ ከም ዝኣሰርዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ኣሶሳ ዝርከብ ተለኣኣኺ ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ላዕለዋይ ዳኛ ብወገኑ ነቶም 3 ብሓሶት  ገበነኛታት ገይሩ ዘፀለሞም እንትኾን በዚ ምኽንያት ‘ዉን ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝኣክል ኣገልግሎት ኔትዎርክ ክቋረፅ ከም ዝተገብረ ተፈሊጡ።

   ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ካድረታት እቲ ስርዓት ኣብቲ በዓል ብሄር ብሄረሰባት ካብ ዘለዎም ስግኣት ብምንቃል እቶም ዝተኣስሩ መንእስያት ብመንግስቲ ኤርትራን ግብፅን ዝተልኣኹ ኣሸበርቲ ተረኺቦም ብዝብል ምኽኒት ኣብ ወረዳታት ዳቡስናን ባምባስን ካልኦት ቦታታትን ልዕሊ 4 ኬላታት ብምትካል ፁዑቕ ፍተሻ የካይዱ ምህላዎም ገሊፁ።