Tuesday, June 16, 2015

ኣብ ከባቢ ባህር ዳር ከተማ ኣዴት ዝነባርነቶም ክልተ ኣሕዋት ንናይ’ቲ ቀበሌ ፀሓፊ ቀቲሎም ካብቲ ከባቢ ከም ዝተስወሩ ተገሊፁ።



  ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ባህርዳር ዙርያ ኣዴት ኣብ ዝተብሃለት  ከተማ ኣብ’ቲ  ቀበሌ ብፀሓፍነት ተመዲቡ ነበርቲ ክጋፍዕን ክረግፅን ዝፀንሐ ናይ’ቲ ስርዓት ካድረ በቃ ባዜን ተመስገን ባዜን ብዝተብሃሉ ክልተ ኣሕዋት ብ21 ግንቦት 2007 ዓ/ም ምሸት ሰዓት 3።00 ካብ መንበሪ ገዝኡ ብምውፃእ ብጥይት ቀቲሎሞ ከም ዝተሰወሩ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም።
     ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ እዞም ክልተ ኣሕዋት ኣብ ልዕሊ  ናይ’ቲ ስርዓት ካድረ ቅድሚ ናይ መቕተልቲ ስጉምቲ ምውሳዶም ካብ  ክፍፅሞ ዝፀንሐ  ምጥሓስ  ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ግፍዕታትን፤ ክቑጠብ ብተደጋጋሚ ብቤተሰቡ ኣቢሎም መጠንቀቕታት ክልእኽሉ ፀኒሖም ካብ እከይ ተግባራቱ ክርሕቕ ብዘይ ምኽኣሉ ስጉምቲ ከም ዝወሰድሉ ተፈሊጡ።
ብፍላይ ድማ ን23 ዓመታት ብሕጋዊ መንገዲ ክጥቀሙሉ ዝፀንሑ መሬቶም ስልጣኑ ተጠቒሙ ፍትሓዊ ብዘይኮነ መንገድን ከም ዝመንጠሎምን ድሕሪ ምግላፅ ከምኡ’ዉን ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ መሰላት ክገፍፍ ብምፅንሑ ንኸብዱ’ምበር ዝሓስብ ሕልና ዘይነበሮ ዉልቀ ሰብ ምንባሩ ስለ ዝፈለጡ ኣብ ልዕሊኡ ናይ መቐተልቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝተገደዱ ውሽጢ ፈለጥቲ ወስኾም ገሊፆም።