Pages

Sunday, June 14, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝነብሩ ንፁሃት ዜጋታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዘካይዱ ዉድባት ዲሞክራስያዉያን እዮም ትብሉ ኢኹም ብምባል ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ይኣስር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ኣረዲኦም።



ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጀሞ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣርበኞች ግንቦት 7ን ካልኦት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባትን ዲሞክራስያዉያን እዮም ዝብል በረርቲ ወረቓቕቲ ምብታኑ ስዒቡ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈለጠ ነባሪ ጀሞ ብ22 ግንቦት 2007 ዓ/ም ነቲ ዘረባ ንስኻ ‘ዉን ደጊምካ ተባሂሉ ከምዝተኣሰረ ተፈሊጡ።
 ብተመሳሳሊ ድማ ብ15 ግንቦት ቀዳም ምሸት 2 ኣብረርቲ ኣዉሮፕላን ኣብ ሸራተን ሆቴል ኣምስዮም ናብ ገዝኦም እናኸዱ እንታይ እዩ ኮይኑ እዚ ናይ መረፃ መዓልቲ ዝሒሉ ሰብ ናበይ ከይዱ ኢልኩም ተዛሪብኩም ተባሂሎም ብርክት ብዝበሉ ናይ ድህንነትን ናይ ፌደራል ፖሊስ ዕጡቛት ተዓጂቦም ናብ  ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወሰዱ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ገሊፆም።
እዞም ዝተኣሰሩ ሰባት ተወለድቲ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ዝኾኑ ኣብረርቲ  ምንም ዝሰርሕዎ ገበን ዘየብሎም ብዓይኒ ጥርጣሬ ተራእዮም ብ17 ግንቦት 2007 ዓ/ም ካሳንቺስ ኣብ ዝርከብ ምድብ ችሎት ቀሪቦም ብዝተወሰነ ዉሳነ መሰረት እቲ ናይ መረፃ መዓልቲ ዝሒሉ ሰብ ናበይ ከይዱ ኢልካ ዝተብሃለ ተወላዲ ትግራይ 10 ሽሕ ብር ክኸፍል ዝተወሰነሉ እንትኸዉን እቲ ካልኣዩ ግን ምንም መልሲ ክህብ ብዘይምኻሉ ብነፀ ምስንባቱ ተፈሊጡ።