Pages

Sunday, June 14, 2015

ዓወት 20 ግንቦት ዘምፅኦ ፍረታት እንታይ ይመስሉ? ብዝብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝቕረቡ ሕቶታት ብህዝቢ ተቓዉሞ ከም ዝገጠሞ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ካብ ናይ ኢህወዴግ ናይ መንግስቲ ኮሚኒኬሽን ቤት ፅሕፈት ዝተበተነ ዓወት 20 ግንቦት ዘምፅኦም ኣንፀባረቕቲ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ማሕበራዉን ሰናይ ምሕደራዊን ፍረታት ብንሃትኩም ኣመለኻኽታ እንታይ ይመስል ብዝብል ዝቐረበ መሕተታት። ብጠቕላላ ነባሪ ህዝቢ ከም ዝተቓወሞ ተፈሊጡ።
ብፍላይ ኣብ’ቶም ማሕተታት ካብ ዝተቐመጡ ናይ ዜጋታት ማዕርነት፤ ኣዋህባን ኣታሕዛን ዲሞክራስያዊ መሰላትን ጥዕና ተኮር ስራሕትን ምስፍሕፋሕ ምሕደራ ፖለቲካን ናይ 2ተ ኣሃዝ ዕቤት ምምዝጋብ ዝብሉ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዜሮ ከም ዝተቐመጠ ኣብ ፀግዒ ለጋሃር ባቡር ጣብያ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ኮሚኒኬሽን ቤት ፅሕፈት ምርኩስ ብምግባር ዝተገብረ ማሕተታት ዉፅኢት ዘስደምም ምንባሩ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሰማያዊ ፓርቲ መሪፅና  እናሃለና ገዛኢ መንግስቲ ድምፅና ኣጭበርቢሩና ብምባል ከም ዝተቓወሙን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሰንዳፋ ጣብያ መረፃ ሰንዳፋ 1200 ንመረፃ ካብ ዝተመዝገበ  ህዝቢ 410 ጥራይ ዝመረፀ እንትኸዉን እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግን ንመረፃ ዘይወፅአ ኮይኑ እዚ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ተቓዉሞ እናሃለወ ገዛኢ መንግስቲ ተመሪፀ ምባሉ ከም ዘቖጠዖም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።