ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ
ከተማ ባህር-ዳር ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ክእሰሩ ዝተገብሩ እዞም ንፁሃት ዜጋታት ብርክት ዝበሉ ተምሃሮን ደቂ ሓረስቶትን ዕጥቃዊ
ቃልሲ ናብ ዘካይዱ ዉድባት ጎስጒስኩም ትልእኹ ኣለኹም ብዝብል መሰረት ዘየብሉ መፀልምታ ተኸሲሶም ኣብ’ታ ከተማ ቀበሌ 02 ተኣሲሮም
ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቲ ሓበሬታ ብምዉሳኽ ኣብዚ ሕዚ ስዓት መራሕቲ ኢህወዴግ ንፁህ ህዝቢ ብምእሳርን
ንገለ ሰባት ድማ ብስዉር ምቕንፃልን ተግባራቶም እናቐፀልሉ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ወሲኾም ገሊፆም።