Pages

Tuesday, June 16, 2015

ኣብ ከተማ ባህር-ዳር ናይ ዝርከብ ጨንፈር ‘ኣብስንያ’ ባንኪ ሰራሕተኛታት ደገፍቲ ተቓወምቲ ኢኹም እናተብሃሉ ብኢህወዴግ ምፍርራሕ ይበፅሖም ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ብዝበፅሓና ሓበሬታ መሰረት ኣብ ከተማ ባህር-ዳር ብመርሕነት በዓል ስልጣን  ኢህወዴግ ኣዲሱ ለገሰ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝበዝሑ ኣብ ‘ኣቢስንያ’ ባንኪ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ደገፍቲ ተቓወምቲ ዉድባት ኢኹም፤ ምስ መንግስቲ ዘለኩም ሽግር ብምይይጥ ንፍትሓዮ ኢሉ ነቲ መድረኽ ምስ ከፈቶ እቶም ናይቲ ባንኪ ስራሕተኛታት ንዓና ዝቆፀረና ናይ ዉልቂ ትካል ስለ ዝኾነ ንዓኻ ንህቦ መልሲ የብልናን ስለ ዝበሉ እቲ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ኣብዚ ሕዚ ስዓት ምንም ዓይነት ገበን ዘየብሎም ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ውሽጡ ብዘሎ ምትእምማን ምጥርጣራትን ዝመንቀሊኡ ንፁሃት ዜጋታት እናንገላተዐ እኹል መርትዖ ከይሓዘ ካብ ስርሖም ብምብራር እናሳቐዮም ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ  ወሲኹ ኣረዲኡ።