Friday, August 28, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ጉባኤ ህወሓት ጥርዓን መሬትን ካልእ ፍታሕ ዝሰኣኑ ፀገማት ህዝብን ሒዞም ዝቐረቡ ወኪላት ዓበይቲ ዓዲ መታለሊ መልሲ ከም ዝተወሃቦም ምንጭታና ገሊፆም።





  ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ጉባኤ ዉድብ ህወሓት ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ክበፅሕ ዝፀንሐ ፀገማት ቅሬታ ሒዞም ዝቐረቡ ናይ ህዝቢ ወኪላት ዓበይቲ ዓዲ ከም ዝነበሩ ዝገለፀ እቲ ሐበሬታ ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዓደለ መሬት ኣግባብነት ብዘይብሉ ኣሰራርሓ እናመንጠልካ ብሽም ንድያስፖራ ምዉሳድ ብዙሕ ህዝቢ ንፀገም ተቓሊዑ ምህላዉ ክሲ ሒዞም ኣብ ዝቐረቡሉ እቶም ይምልከቶም ዝተብሃሉ ኣካላት "ድሕሪ እዚ ጉባኤ ክንፈትሖ ኢና" ዝብል ምስሉይ ምላሽ ከም ዝሃብዎም ተፈሊጡ።
   እቶም ተወከልቲ ህዝቢ ካብ ዘልዓልዎም ጥርዓናት ህዝቢ ቅድምን ድሕሪን መረፃ ብስእነት ሰናይ ምምሕዳር ይሳቐ ኣሎ፤ ስራሕ ስእነት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክገድድ እምበር ክቕንስ ኣይረአን፤ ማሕበራዊ ኣብያተ ፍርዲ ርትዓዊ ዘይኮነ ፍርዲ ብምሃብ ህዝቢ የንከላብቱ ኣለዉ። ብሓፈሻ መረረ ህዝቢ ቆላሕታ ዝምልከቶ ኣካል ብዘይ ምርካቡ ኣብ መንግስትና እምነት የብሉን ዝብሉ ሓሳባት ቀሪቦም ድሓር ክነዐርዮ ኢና ካብ ዝብል ምላሽ ዝሓለፈ ዘዕግብ መልሲ ከይተወሃቦ ከም ዝሓለፈ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።