እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ከተማታት ወርቅ ሜዳ፤ ፈንደቃን ደቅ ዘረገነት ኣብ ዝተብሃሉ ከተማታት ዝነብሩ ንፁሃን ዜጋታት ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ኣርበኞች ግንቦት
7ተን ዴምህትን ውሽጣዊ ርክብ ኣለኩም ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ልዕሊ
13 መንእስያት ኣብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ/ም
ተታሒዞም ምስ ተወስዱ ክሳብ ሕዚ ሓለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ቅድም ክብል ሰለማዊ ፖለቲካዊ
ቃልሲ ንዘካይዱ ውድባት ክትድግፉ ፀኒሕኹም ኣብ መረፃ ክትዕወቱ ስለ ዘይከኣልኩም ድማ
ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ውድባት ርክብ ኣለኩም ብምባል
ይኣስርዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ’ቲ ወረዳ ብተመሳሳስሊ ልዕሊ 25 መናእስያት ንኽልተ ዓመት ሙሉእ ተኣሲሮም ክሳቐዩ ድሕሪ ምፅናሕ
ፖሊስ ትራፊክ ሳጂን ኣበጀ ዝተብሃለ ሓዊሱ ስለሰተ መንእስያት ንክሲ ቤት ፍርዲ ዘብፅሕ ገበን የብልክሙን ተባሂሎም ዝተሰደዱ እንትኾን ኣብ ርእሲ እዙይ ካብ ዝሰርሕሉ ቤት ፅሕፈት ምብራሮም
ከይኣክል ኣብ ዝኾነ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ተቖፂሮም ከይሰርሑ ተኸልኪሎም
ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።