Thursday, September 3, 2015

ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ንፁሃት መንእስያት ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ወድባት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ዘይቅኑዕ ምኽኒት ይእሰሩ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ  ከም ዘመልክቶ ኣብ ዞባ ኣዊ  ወረዳ ጃዊ ከተማታት ወርቅ ሜዳ፤ ፈንደቃን  ደቅ ዘረገነት ኣብ ዝተብሃሉ ከተማታት  ዝነብሩ ንፁሃን ዜጋታት ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ኣርበኞች ግንቦት 7ተን ዴምህትን  ውሽጣዊ ርክብ ኣለኩም ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ልዕሊ 13 መንእስያት ኣብ  መጀመርያ ወርሒ  ነሓሰ 2007 ዓ/ም  ተታሒዞም  ምስ ተወስዱ ክሳብ  ሕዚ ሓለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ቅድም ክብል ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንዘካይዱ ውድባት  ክትድግፉ ፀኒሕኹም ኣብ መረፃ ክትዕወቱ  ስለ ዘይከኣልኩም ድማ  ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ውድባት  ርክብ ኣለኩም ብምባል ይኣስርዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ’ቲ ወረዳ ብተመሳሳስሊ  ልዕሊ 25 መናእስያት ንኽልተ ዓመት ሙሉእ ተኣሲሮም ክሳቐዩ ድሕሪ ምፅናሕ ፖሊስ ትራፊክ ሳጂን ኣበጀ ዝተብሃለ ሓዊሱ ስለሰተ መንእስያት ንክሲ ቤት ፍርዲ ዘብፅሕ ገበን የብልክሙን ተባሂሎም  ዝተሰደዱ እንትኾን ኣብ ርእሲ እዙይ ካብ ዝሰርሕሉ ቤት ፅሕፈት ምብራሮም ከይኣክል ኣብ ዝኾነ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ተቖፂሮም ከይሰርሑ ተኸልኪሎም  ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።