Thursday, September 3, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፖላዊስ ንምቑፃር ምልክታ ዋላ'ኳ እንተወፅአ ክቑፀር ዝደሊ ሰብ ከም ዘይተረኸበ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ ዉሽጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብተኸታታሊ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ምልክታ ዋላ'ኳ እንተወፅአ ንምእታዉ ፍቓደኛ ዝኾነ ሰብ ሰለ ዝተሳእነ በብክልሉ ምልክታ ክወፅእ ከም ዝተገብረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ብናይ ኢህወዴግ ኣመራርሓ ስግኣት ምኽንያት ነባራት ፖላዊስ ምስ ፀላኢ ርክብ ኣለኩም እናተብሃሉን ዝሓዝዎ ሞባይል መዓልታዊ እናተፈተሹ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ድማ ብምእሳሮም ሓደሽቲ ፖላዊስ ንምቑፃር ዝወፀ ምልክታ ህዝቢ ከም ዘይተቐበሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።