ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ህዝቢ ክልል
ዓፋር ብ12 ነሓሰ 2007 ዓ/ም ኣብ ኣዋሽ ኣርባን ኣዋሽ ሰባትን ዝተብሃላ ከተማታት ዝርከብ ህዝቢ ዘምሓድሩና ዘለዉ ናይ ትግራይን
ናይ ኣምሓራን ተወለድቲ እዮም፤ ንሕና ብክልል ምፅዋዕና እንታይ እዩ ክገብረልና ኢሎም ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያዶም፣ ናይቲ ክልል መንግስቲ
ድማ ፖላዊስ ብምዉፋር እናደብደቡ ክብተኑ ምግባሩ ተፈሊጡ።
እቲ ህዝቢ በብእዋኑ ንመንግስቲ እቲ ክልል
ዘቕረቦ ሕቶ ንህዝቢ ዓፋር ይመርሕዎ ዘለዉ ካብ ሰሜን ወሎ፤ ደቡብ
ወሎን ትግራይን ብዝመፁ’ምበር ናይቲ ከባቢ ተወለድቲ ኣይኮኑን፤ መሬትና ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ እዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ ብምባል
ፀገማቶም እናገለፁ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።