ሰበ
ስልጣናት ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ሃፍቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ንምውፃእ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሜላ ባንክታት ኢትዮጵያ ካብ ምጉደእ ንላዕሊ ናይ'ታ ሃገር ኢኮኖሚ ኣብ ዓዘቕቲ ጥፍኣት ከም ዝርከቡ ተገሊፁ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት
ብግዕዚና ዘዋህለልዎ ሃፍቲ ኣብ ምእላይ ተፀሚዶም ስለ ዘለዉ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዶላር ክልእኹ ዝደልዩ ሰባት ብ23
ብር ንሓደ ዶላር ክነሽርፈልኩም ብምባል ፀሊም ዕዳጋ እናተጠቐሙ ብናይ ህዝቢ ሃፍቲ ይፃወቱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ወሲኹ
እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፤
ስያትል፤ ዴንቨር፤ ሚኒያፖሊስ፤ ኣትላንታ፤ ዳላስ፤ ቺካጎ፤ ኣብ ሂውስተን፤
ኦሃዮ፤ ፖርትላንድ፤ ላስቬጋስ፤ ካሊፎርኒያ፤ ካልኦት ዝተፈላለያ ከተማታት
ኣብ ኣሪዞና ብዝተዘርጉሑ መርበባት ሓበሬታ ዶላር ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ብ23 ብር እናሽረፉ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ኣብ
መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ሓደ ዶላር ኣሜሪካ ብሕጋዊ መንገዲ ብ20.85 ብር ዝሸርፍ ዘሎ እንትኸውን እቲ ብሰረቕቲ ሰበ ሰልጣን ገዛኢ ስርዓት ዶላር ብዘይ ሕጋዊ
መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ነቲ ዘሎ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ሕፅረት ኣብ ምግዳድ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ
ይርከቡ፣